Fana: At a Speed of Life!

ምክትል ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኦፕሬሽን ዲቪዥን ኤፍ ቢ ኣይ ኣብ ኢትዮጵያ ፖሊስ ፌደራል ፓሊስ ዑደት ስራሕ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኦፕሬሽን ዲቪዥን ኤፍ ቢ ኣይ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ፖሊስ ፌደራል ፓሊስ ዑደት ስራሕ ገይሮም።

ኣብቲ ዑደት÷ ኣፈፃሚት ጉዳይ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ትሬሲ ኣን ጃኮብሰን ተረኺበን፡፡

ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገ/ሚካኤል÷ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓማውቲ ኣብ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ሪፎርም ኣብሪሆም፡፡

ሬይሞንድ ዱዳ ብግደኦም÷ ኤፍ.ቢ.ኣይ ኣብ ዶብ ዘለል ገበናት ምስ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ብምትሕብባር እናሰርሀ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ንኣብነት ድማ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት፣ ምክልኻል ግብረ ራዕዲን ካልኦት ዘፈራትን ብጥምረት እናሰርሑ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

ክልቲኦም ትካላት ርክቦም ብዝበለፀ ኣጠናኺረን ኣብ ሰላምን ድሕንነትን ሓቢሮም ንምስራሕ ከምዝተስማዕምዑ ካብ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.