Fana: At a Speed of Life!

ክልል ጋምቤል ንተፈፃምነት ስምምዕነት ሰላም ብቖራፅነት ከምዝሰርሕ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ጋምቤል ንተፈፃምነት ስምምዕነት ሰላም ብቖራፅነት ከምዝሰርሕ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኡሞድ ኡጁሉ ገሊፆም፡፡

ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልል ጋምቤላ ኣብ ትልሚ መሰረታዊ ጭብጥታትን ተፈጻምነት ሰምምዕነት ሰላም ተዛትዮም፡፡

ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ክልል ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ከምዝድግፉ ገሊፆም፡፡

ርእሰ ምምመሕዳር ኡሞድ ኡጁሉ÷ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ናብ መሬት ወሪዱ ተግባራዊ ንክኸውን ናይ ኩሉ ርብርብ ይሓትት ኢሎም።

ኣይተ ኡሞድ እቲ ስምምዕነት ሰላም ፅቡቕ ዋላ እንትኾነ ተግባራዊነቱ ግን ልዑል ትዕግስትን ፅንዓትን ዝሓትት ተግባር ከምዝኾነ ብኣንከሮ ተዛሪቦም፡፡

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ነቲ ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ንምግባር መንግስቲ ብቖራፅነት ከምዝሰርሕ ምርግጋፆም ካብ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

ኣብቲ ዘተ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልል፣ ዞባን ወረዳን ዝተሳተፉ ኮይኖም÷ ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ስምምዕነት ሰላም ዘድሃበ ዘተ ክካየድ እዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.