Fana: At a Speed of Life!

ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣዲስ ኣበባ እቲ ስምምዕነት ሰላም ንኽፍፀም ኩሉ ናይ ባዕሉ ግደ ንኽዋፃእ ሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እቲ ስምምዕነት ሰላም ንኽፍፀም ኩሉ ናይ ባዕሉ ግደ ንኽዋፃእ ሓቲቱ።

እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ÷ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሪቶሪያ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ንዕቤትን ልምዓትን ሃገር ወሳኒ ከምዝኾነ ብምሕባር እቲ ስምምዕነት ብመምርሒ ደረጃ ከምዝድግፍ ገሊፁ፡፡

ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ንኽኸውን ከምዝሰርሕ ዝገለፀ እንትኸውን÷ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ተግባራዊነት እቲ ስምምዕነት ሰላም ሓገዝ ብምግባር ብፅሒቶም ንኽወዋፅኡ ፀዊዑ።

ኣፍሪካውያን ናይ ባዕሎም ፀገም ባዕሎም ንምፍታሕ ዝተገበረ ፃዕሪ ኣፍልጦን ዘመስገነ እቲ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ÷ ክልል ትግራይ መሊስካ ኣብ ምጥያሽን ዝተረኸበ ሰላም ንምሕላው ቆራፅ ከምዝኾነን ኣፍሊጡ።

ብምንተስኖት ሙሉጌታ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.