Fana: At a Speed of Life!

ካቢኔ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካቢኔ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ኣብ ዝገበሮ መበል ካልኣይ ዓመት ሓምሻይ ስሩዕ ኣኼብኡ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።

እቲ ካቢኔ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፥ ስራሕቲ ኪነ ጥበብ ሙዚየም ዓድዋ በዝምልከት ብምዝታይ ኢትዮጵያዊያን ተወኪሎም እታዎት ንክህቡ ኣንፈት ኣቐሚጡ።

ብተወሳኺ እዋን ህንፀቶም ዝሓለፎም 1 ሺሕን 44 ፕሮጀክትታት ኣብዝሓ መንበሪ ኣባይቲ ብምዃኖም ንመወዳእታ ጊዘ እዋን ህንፀቶም ክናዋሕ ወሲኑ።

ብኻሊእ መዳይ 11 ወረዳታት ብቕልጡፍ ህንፀት 11 ሀንፃታት ንክሃንፁ ውሳነ ሂቡ።

ህንፀት ቀለበት መገዲ ቃሊቲ ቲሉ ዲምቱ ንምዝዛም ልቓሕ ኤግዚም ባንክ ክሳብ ዝልቀቕ ካብ በጀት መንግስቲ ብልቓሕ ክፍሊት ንክፍፀምን እቲ ፕሮጀክት ንክዛዘምን ምውሳኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.