Fana: At a Speed of Life!

ጣሊያን ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ኣብ መላእ ሃገር ዝግበር ጉዕዞ ኣጊዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጣሊያን ብምኽንያት ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ኣብ መላእ ሃገር ዝግበሩ ኣኼባታትን ጉዕዞታትን ኣጊዳ።

እታ ሃገር ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋትን ንምቁፅፃርን ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት እናወሰደት ትርከብ።

ብመሰረት እዚ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝርከቡ 16 ሚሊየን ሰባት ክሳብ መጀመርታ ወርሒ ማዝያ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንኸይንቀሳቐሱ ውሳነ ኣመሓሊፋ ነይራ።

ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ጣሊያን ብልዑል ቅልጣፈ እናተስፋሕፈሐ ከምዝኾነን ኣብ 20 ዝኾና ክፋላት እታ ሃገር ከምዝበፅሐን ተገሊፁ።

ብምኸንያት እቲ ቫይረስ ሕይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁጥሪ 463 ዝወፅኡ ሓበሬታታት የረድኡ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝግበር ጉዕዞ ካብ ምእጋዳ ሓሊፋ ህዝባዊ ኣኼባታትን ስፖርታዊ ፀወታታትን ከምዝኣገደት ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ጣሊያን ጁሴፔ ኮንቴ፥ ሰባት ኣብ ውሽጢ ገዝኦም ንኽቕመጡ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፉን ኣገዳሲ ጉዕዞ እንትህሉ ድማ ፍቓድ ክሓቱ ከምዘለዎምን ተሓቢሩ።

እቲ ስጉምቲ ጥዕና ዜጋታት ንምሕላውን በቲ ለበዳ ዝተለኸፉ ሰባት ንምክልኻልን ከምዝኾነ እቶም ቀዳማይ ኣብሪሆም።

ጣሊያን ካብ ቻይና ቀፂላ ብለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ዝኸፍአ ጉድኣት ዝበፅሓ ሃገር ኢያ ተባሂሉ።

ፍልፍል፡- ቢ.ቢ.ሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.