Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ ኢንጂነሪንግ ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)6ይ ጉባኤ ኢንጂነሪንግ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ጉባኤ÷ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ከምኡ እውን ላዕለወት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተወከልቲ ሃገራት ኣፍሪካ ተረኺቦም።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ኮንስትራክስን ኢትዮጵያ ኢንጂነር ዮናስ ኣያሌው ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ጉባኤ ዘፈር ኮንስትራክስን እታ ኣህጉር ክብ ኣብ ምባል ዓብዪ ግደ ኣለዎ፡፡

ኣብ ኣፍሪካ ምቹውን ዝስማዕማዕን ስራሕቲ ህንፀት ንምስላጥ ከምዝሕግዝ ምግላፆ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እቲ ጉባኤ ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ንሓሙሽተ መዓልቲ ክፀንሕ ኢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.