Fana: At a Speed of Life!

ስነ-ስርዓት ምፍናው ኣስከሬን ኣርቲስት ዓሊ ቢራ ኣብ ወዳጅነት ኣደባባይ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ-ስርዓት ምፍናው ኣስከሬን ኣርቲስት ዓሊ ቢራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወዳጅነት ኣደባባይ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብ ወዳጅነት ኣደባባይ እናተሳለጠ ኣብ ዝርከብ ስነ-ስርዓት ምፍናው÷ ስድራ እቲ ኣርቲስት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ መሓዙት ሞያ፣ ኣቦታት ሃይማኖት ከምኡ እውን ፍሉጣት ውልቀሰባትን ኣድነቕቱን ተረኺቦም፡፡

ኣስከሬን ኣርቲስት ዓሊ ቢራ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ካብ ዝረከብ መንበሪ ገዛ እቲ ኣርቲስት ሎሚ ወጋሕታ ናብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ከምዝተፋነወ ይፍለጥ፡፡

ብመሰረት እዚ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ወዳጅነት ኣደባባይ ስነ-ስርዓት ምፍናው እናተኻየደ ይርከብ፡፡

ኣስከሬን ኣርቲስት ዐሊ ቢራ ኣብ ወዳጅነት ኣደባባይ ናይ ክብሪን ጅግንነትን ስንብት ምስ ተገበረሉ÷ ናብ ትውልዲ ዓዱ ድሬዳዋ ክፋኖ ኢዩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.