Fana: At a Speed of Life!

ድልድል ኣውዲቕካ ምሕላፍ ውድድር ቻምፒዮንስሊግ ኣውሮፓ ዕላዊ ኮይኑ

ኣብ ውድድር ኣውዲቕካ ምሕላፍ ቻምፒዮንስሊግ ኣውሮፓ ሊቨርፑል ምስ ሪያል ማድሪድ ከምኡ እውን ባየር ሙኒክ ምስ ፒ ኤስ ጂ ተራኺበን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ድልድል ኣውዲቕካ ምሕላፍ ውድድር ቻምፒዮንስሊግ ኣውሮፓ ዕላዊ ኮይኑ።

ከካብ ምድበን 1ይን 2ይን ኮይነን ዝዛዘማ ጋንታታት ዘራኽብ ውድድር ኣውዲቕካ ምሕላፍ 16 ጋንታታት ኣብ ርብዒ ፍፃመ ንምፅምባር ናይ በፂሕካ መልሲ ፀወታ ክገብራ ኢየን።

ናይ ዝሓለፈ ዓመት ውድድር ተዓዋቲት ጋንታ ሪያል ማድሪድ ምስ ሊቨርፑል ከምኡ እውን ጀርመናዊት ጋንታ ባየር ሙኒክ ምስ ፈረንሳዊት ጋንታ ዘራኸበ ድልድል ካብ ብሕዚኡ ሃንቀውታ ፈጢሩ።

ኤሲ ሚላን ምስ እንግሊዛዊት ጋንታ ቶተንሃም ሆትስፐርስ ከምኡ እውን ቦሩሲያ ዶርትመንድ ምስ ቼልሲ ዝገብረኦ ፀወታ እውን ጥንኩር ንሕንሕ ከምዝረአየሎም ትፅቢት ዝግበረሎም ፀወታታት ኢዮም።

ክለብ ብሩጅ ምስ ቤኔፊካ ከምኡ እውን ኤይንትራክት ፍራንክፈርት ምስ ናፖሊ ዝራኸባ እንትኾና÷ ማንቼስተር ሲቲ ምስ ኣር ቢ ሌፕዚግ፣ ኢንተር ሚላን ምስ ፖርቶ ተራኺበን።

እቶም ፀወታታት ኣብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲትን መጀመርታ መዓልቲታት ወርሒ መጋቢትን ክካየዱ ኢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.