Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ብሕልፈት ኣርቲስት ዓሊ ቢራ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብሕልፈት ኣርቲስት ዓሊ ቢራ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘውፅኡዎ መግለፂ ሓዘን÷ “ሕልፈት እቲ ፍሉጥ ድምፃዊ ንኢትዮጵያውያን ጉድኣት ኢዩ” ኢሎም።

“ብዜማታቱ ሕብረት፣ ናፅነትን ባህሊን ኣዚሙ ኢዩ፤ ንብዙሓት እውን ኣርኣያ ኮይኑ ኢዩ፤ ንዝገበርካዮ ኣስተዋፅኦ ኢትዮጵያ ተመስግነካ” ክብሉ ገሊፆም።

ሙዚቃታቱ ዘበናት ተሳጊሮም ዝድመፁን ንፅባሕ ስንቂ ዝኾኑን ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ንኣዝማዱ፣ ንፈተውቱን ኣድነቕቱን ፅንዓት ተመኒዮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.