Fana: At a Speed of Life!

ስምምዕት ሰላም ኣብዛ ሃገር ሰላም ንምዕሳልን ልምዓት ንምርግጋፅን መሰረት ዘቐምጥ እዩ ክብል ክልል ሃረሪ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስምምዕት ሰላም ኣብዛ ሃገር ሰላም ንምዕሳልን ልምዓት ንምርግጋፅን መሰረት ዘቐምጥን መንግስትን ህዝብን ገፁ ሙሉእ ንሙሉእ ናብ ልምዓት ንኸዙሩ ዕድል ዝፈጥርን እዩ ክብል ክልል ሃረሪ ገሊፁ፡፡

ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበፅሐ ስምምዕት ሰላም ኣመልኪቱ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሃረሪ መግለፂ ኣውፂኡ፡፡

ኣብቲ መግለፂ÷ ብኣደራዳርነት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ደቡብ አፍሪካ ፕሪቶሪያ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተፈረመ ስምምዕት ሰላም ሉኣላዊነት፣ ግዝኣታዊ ሓድነትን ዘላቒ ሰላምን ብዘረጋግፅ መልክዑ ከምዝተዛዘመ ተመላኺቱ፡፡

ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰላም ንምፍታሕ ዝተፈረመ ስምምዕት ሰላም ኣብዛ ሃገር ሰላም ንምዕሳልን ልምዓት ንምርግጋፅን መሰረት ዘቐምጥ መንግስትን ህዝብን ገፁ ሙሉእ ንሙሉእ ናብ ልምዓት ንኸዝውሩ ዕድል ዝፈጥር ካብ ምዃን ሓሊፉ  ብምኽንያት ኲናት ዝተጎድኡ ወገናት ንምሕጋዝን ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መሊስካ ንምህናፅን ዘኽእል ከምዝኾነ ገሊፁ።

“መንግስቲ ካብ ፈለምኡ እውን ንሰላም ዘለዎ ቆራፅነት ብተደጋጋሚ ምርኣዩ ዝዝከር ኮይኑ ዘተ ሰላም ብሕብረት ኣፍሪካ ክካየድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሓዞ ቅዋም ውፅኢት ኣምፂኡ እዩ” ኢሉ እቲ መግለፂ።

ብኣደራዳሪነት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተፈረመ ስምምዕት ሰላም ኣፍሪካውያን ፀገማቶም ባዕሎም ክፈትሑ ከምዝኽእሉ ዝተርኣየሉ፣ ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ሰላም ሃገር ዝተጀመረ ጉዕዞ ምዕባለ ጋህዲ ንምግባር ዘይደልዩ ኣካላት ክሳድ ዘድነነ ከምዝኾነ ኣብሪሁ፡፡

ህዝብን መንግስትን ክልል ሃረሪ እቲ ስምምዕነት ሰላም ብኣግባቡ ተፈፃሚ ንክኸውን ብሙሉእ ልቢ ካብ ምድጋፍ ሓሊፉ ብኲናት ጉድኣት ዝበፅሖም ከባብታት መሊስካ ንምፅጋን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ግቡእ ኣበርክቶ ንምግባር ዱልው ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.