Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ብምድሃብ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ኣባላት ማሕበረሰብ ዲፕሎማቲክ ገለፃ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ብምድሃብ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ኣባላት ማሕበረሰብ ዲፕሎማቲክ ገለፃ ተገይሩ፡፡

 

ኣማኻሪ ብሄራዊ ደሕንነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ገለፃ ጌሮም፡፡

 

ነቲ ስምምዕነት ብፅሒት ሕብረት ኣፍሪካ ልኡል ምኻኑ ዝሓበሩ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፤ ኣፍቲ ስምምዕነት ሰላም ናብ ስምምዕነት ዝተበፅሑ ዛዕባታት ብምልዓል መብራህርሂ ሂቦም፡፡

 

ደዉ ምባል ተኹሲ፣ ምፍታሕ ዕጥቂ፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምጥያሽ፣ መሰረታዊ ኣገልግሎት ምጅማርን ዳግማይ ህንፀትን ዝኣመሳሰሉ ኣፍቲ ስምምዕነት ዝርከቡ ዉሳነታት ናብ ተግባር ንምቕያር ክልቲኦም ወገናት ድልዋት ምኻኖም ኣረዲኦም፡፡

 

ብዛዕባ ዕጥቂ ምፍታሕ ዘድሃበ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ዘተ ክግበር እዩ ኢሎም፡፡

 

መንግስቲ ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ንምግባር እናሰርሐ እዩ ዝበሉ ኣምባሳደር ሬድዋን፤ ፈተዉቲ ሃገራት ነቲ ስምምዕነት እናደገፋ ምኻነን ገሊፆም፡፡

 

መንግስቲ ዝተጎድኡ ከባብታት መሊስካ ንምህናፅ ብሙሉእ ዓቕሙ ክሰርሕ ምኻኑን፤ ፈተዉቲ ሃገራት ኣብ ጎኒ መንግስቲ ደዉ ክኽብላ ፃዉኢት ኣቕሪቦም፡፡

ብታሪኩ ለገሰ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.