Fana: At a Speed of Life!

ዲጅታል ሉዓላዊነት ኣብ ምኽባር ፃዕሪ ስግግር ፍልጠት ቴክኖሎጂ ወሳኒ ኢዩ – ኣይተ ሰለሞን ሶካ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዲጅታል ሉዓላዊነት ኣብ ምኽባር ፃዕሪ ስግግር ፍልጠት ቴክኖሎጂ ወሳኒ ከምዝኾነ ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣይተ ሰለሞን ሶካ ገሊፆም።

ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ምምዕባል ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣብ ከተማ ባህርዳይ ይሳለጥ ኣሎ።

ንመበል 10ይ ግዘ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ቴክኖሎጂ ኢንስቲትዩት እናተኻየደ ዘርከብ እቲ ኮንፈረንስ÷ ኣብ ጉዳያት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ሓሳባት ምርምር ውሽጢ ዓዲን ወፃኢ ሃገራትን ክቐርቡ ኢዮም።

ብሓፈሻ ካብ ሞንጎ ዝቐረቡ 200 ውፅኢታት ምርምር በቲ ትካል ዝተመረፁ 60 ስራሕቲ ምርምር ኣብቲ ኮንፈረን ከምዝቐረቡ ኢቢሲ ፀብፂቡ።

ዲጅታል ሉዓላዊነት ንምኽባር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዩኒቨርሲቲታ ስግግር ፍልጠት ቴክኖሎጂ ግደኦም ንክዋፅኡ ንምግባር ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ምስ 10 ዩኒቨርሲቲታት ብምትሕብባር እናርሐ ከምዝኾነ ኣይተ ሰለሞን ሶካ ገሊፆም።።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.