Fana: At a Speed of Life!

ስምምዕነት ሰላም ሉዓላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ዘፅንዕ ስለዝኾነ ኩሉ ዜጋ ንተግባራዊነቱ ክዋፃእ ይግባእ – ኣምባሳደር ሬደዋን ሑሴን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስምምዕነት ሰላም ሉዓላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ዘፅንዕ ስለዝኾነ ኩሉ ዜጋ ንተግባራዊነቱ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ከምዝግባእ ኣባል ኮሚቴ ኣማራፂ ሰላምን ኣማኻሪ ሚኒስትር ብሔራዊ ደሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ሬደዋን ሑሴን ገሊፆም።

ኣባላት ዓብዪ ኮሚቴ ኮሚቴ ኣማራፂ ሰላም ሓፈሳ ከይዲ እቲ ሰላምን ቀፀልቲ ስራሕቲን ኣብ ዝምልከት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸቡሉ ንክልቲኦም ኣፈ ጉባኤታት ኣቢያተ ምኽሪ፣ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ሓለፍቲ ጨንፈር ኣቢያተ ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግናን ገለፃ ገይሮም፡፡

ኣባል እቲ ኮሚቴ ኣማራፂ ሰላምን ኣማኻሪ ሚኒስትር ብሔራዊ ደሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ሬደዋን ሑሴን÷ እቲ ስምምዕነት ብቐንዱ ዘላቒ ሰላም፣ ሉኣላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ኣብ ምሕላው ትኹረት ዝገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ስምምዕነት ሓበራዊ ረብሓ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ብዝሓለወ መልክዑ ከምዝተዛዘመ ብምሕባር፤ ስለዝኾነ ኣብ ሓንቲ ሉኣላዊት ሃገር ክልተ ዝተዓጠቐ ሓይሊ ክህሉ ከምዘይኽእልን ሕገመንግስታዊ ስርዓት ምኽባር ከምዝግባእን ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ኣብሪሆም፡፡

ብመንፅር እዚ ካብ ሕገ-መንግስቲ ወፃእ ዘለዉ ምንቅስቓሳት ጠጠው ኢሎም ክልል ትግራይ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ መረፃ ንኽካየድ ግዚያዊ ምምሕዳር ከምዝጣየሽ እውን ገሊፆም፡፡

“ዘለና መማረፂን መፍትሒን ብሓባር ተኣሳሲርካ ምኻድ ኢዩ” ዝበሉ ኣምባሳደር ሬድዋን÷ “ብመንፅር እዚ ጉድኣት ዝበፅሖም ክፋላት ሕብረተሰብ ካብ ጉድኣቶም ድሒኖም ናብ ንቡር ማሕበራዊ ምትእስሳር ንኽምለሱ ብሓባር ክስራሕ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ዝበፅሐ ጉድኣት ናይ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ጉድኣት ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ዝነዉ ትካላት ሓዊሱ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ብሓበራዊ ምትሕብባር ክሳለጡ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ስራሕቲ ምርድዳእን ምትእስሳርን እውን ሓበራዊ ጉዕዞ መፃኢ ህዝቢታት ተሓሳቢ ዝገበረ ክኸውን ከምዝግባእ ኣምባሳደር ሬድዋን ኣብ መብርሂኦም ኣልዒሎም፡፡

ብምኽንያት እቲ ጎንፂ ኣብ ዓውዲታት ኢኮኖሚ፣ ዲፕሎማሲን ካልኦትን ዝበፅሐ ፅዕንቶ ኣብ ምስትኽኻል እውን ብሓባር ምስራሕ ትፅቢት ዝግበረሉ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኩሉ ዜጋ ንተግባራዊነት እቲ ስምምዕነት ሰላም ሓላፍነቱ ክዋፃእ ከምዝግባእ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.