Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጉዳያት ማይን ኢነርጂ ምስ ትካል ልምዓት ኔዘርላንድስ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ልዝብ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ኣብ ጉዳያት ማይን ኢነርጂ ምስ ትካል ልምዓት ኔዘርላንድስ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ልዝብ ኣካይዱ።

እቲ ልዝብ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ትካል ልምዓት ኔዘርላንድስ ሳይመን ኦ ኬኔልን ኣካይዶምዎ፡፡

እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝገለፁዎ÷ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ስራሕቲ ሪፎርም ኣብ መስተ ማይ፣ ምሕላው ፅሬትን ልምዓት ኢነርጂን ትኹት ብምግባር ሓደሽቲ ውዳበታት ተፈጢሮም ናብ ስራሕ ኣቲዮም፡፡

ብፍላይ ኣብ ገፀር ክፋል ኢትዮጵያ ተተግቢሮም ብቐጥታ ንማሕበረሰብ ተረባሕቲ ኣብ ዝገብሩ ፕሮጀክታት ምስ ትካል ልምዓት ኔዘርላንድስ ትኹረት ተገይሩሎም ክስርሑ ክዝግባእ ኣብሪሆም፡፡

ሳይመን ኦ ኮኔል ብግደኦም÷ ኣብ ሞዛምቢክ፣ ኬኒያ ካልኦት ሃገራትን ተፈቲኖም ውፅታዊ ኣብ ዝኾኑ ፕሮጀክታት ምስ ኢትዮጵያ ብሓባር ንምስራሕ ድሌት ከምዘለዎም ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.