Fana: At a Speed of Life!

ብኣይተ ደመቀ መኮንን ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ከተማ ኣርባምንጭ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ተዓዚቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ከተማ ኣርባምንጭ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ተዓዚቡ።

እቲ ልኡኽ ኣብ ዝራእቲ ባናና፣ ሞዴል ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ጋሞ ባይራ፣ ብማሕበር መስኖ ልምዓት ጋሞ ዝለምዐ ሕርሻ ምሸላባሕሪን መዘናግዒ ፓርኪ ኣርባምንጭን ከምዝተዓዘበ ካብ ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ጋሞ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብቲ ዑደት ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ኣምሓራ፣ ኦሮሚያ፣ ሶማሌ፣ ዓፋር፣ ደቡብ፣ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ፣ ጋምቤላ፣ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ሲዳማን ከንቲባታት ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ተረኺቦም፡፡

ኣብ ቀፅሪ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ጋሞ ባይራ እውን መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ተኻይዱ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.