Fana: At a Speed of Life!

ሓድነት ህዝቢ ንኽሽርሸር ኣብ ልዕሊ ዝገብሩ ፓርቲታት ፖለቲካን መራኸብቲ ሓፋሽን ስጉምቲ ክውሰድ̕ዩ – መንግስቲ

ኣዲስ አበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ባህሊ ሓቢርካ ምንባርን ሓድነትን ህዝቢ ንኽሽርሸር ኣብ ልዕሊ ዝገብሩ ፓርቲታት ፖለቲካን መራኸብቲ ሓፋሽን ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ብዝተፈላለዩ ህዝባዊ መድረኻትን መራኸብቲ ሓፋሽን ኣቢሎም ዝመሓላለፉ ናይ ፅልኢት ዘረባታት ንሓድነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ኢዮም።

ብምዃኑ ድማ ኣብ ከምዙይ ዝበሉ ተግባራርት ዝሳተፉ ፓርቲታት ፖለቲካን መራኸብቲ ሓፋሽን ምስ በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያን ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያን ብምትሕብባር ተመጣጣኒ ስጉምቲ ንምውሳድ ከምዝግደድ ኣፍሊጦም።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ትማሊ ዕለት ዓለም ለኸ በዓል መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብዝምልከት ኣብ ከተማ ኣዲስ አበባ ፌዴራሊስት ኮንግረስ ፓርቲ ኦሮሞ (ኦፌኮ) ኣብ ዘሰናድኦ መድረኽ፥ ብ”ኦ ኤም ኤን” (OMN) ኣቢሉ ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ ሕገ-መንግስታዊ ድንጋገን ወድዓዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ዘየገናዘበ ናይ ፅልኢት ዘረባ ንዘበናት ሓቢሮም ዝነበሩ ህዝቢታት ዝተመሓላለፈ ብምዃኑ እቲ ፓርቲ ይኹን እቲ ትካል ግቡእ ሓላፍነት ክወስዱ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

እቲ ኩነታት ጌጋ ጥራሕ ዘይኮነስ ጥፍኣት ከምዝኾነ እውን ኣይተ ንጉሱ ተዛሪቦም።

ኣይተ ንጉሱ፥ መንግስቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ምምህሃርን ምምይያጥን ዝተመርኮዘ ምንቅስቓስ ኣማራፂ ገይሩ ተዓጊሱ ምፅንሑ ገሊፆም።

ይኹን እምበር፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ፅዕንቶ ዘሕድሩ ተግባራት ብግልፂ እናተርኣዩ ብምምፀኦም መንግስቲ ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝጅምር ኣብሪሆም።

በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያን ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያን፥ ኣብቲ ጉዳይ ዝረኣዩ ዘለዉ ክፍተታት ብቕልጡፍ ክእረሙ ናይ ምግባር ሓላፍነት ከምዘለዎም ኣዘኻኺሮም።

ብተመሳሳሊ ዜና፥ መንግስቲ ናፅነት ሓሳብ ብዴሞክራሲያዊ መገዲ ንኸዓቢ ብዝብል ፕሎቲካዊ ምህዳር ክሰፍሕ ዝገበረ ዋላ እንተኾነ ሓደሓደ መራኸብቲ ሓፋሽ ግን ሕጊ ዝጠሓሱ ሓበሬታታት እናፈነዉ ምዃኖም በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ ንፋና ብድካስት ኮርፖሬት ገሊፁ

ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣይተ ወንደሰን ኣንዷለም ከምዝበሉዎ፥ እቲ ትካል ብኹለመዳይ ዓውዲ ናፅነት ሚዲያ ንኽረጋገፅን ከይዲ ህንፀት ዴሞክራሲ ንምሕጋዝን ፍትሓዊ ዘይኮኑ ሓሳባት እንትመሓላለፉ ብዝተፈላለየ መገዲ ንምፍታሕ ፃዕሪ ፃዕሪ ይገብር ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ን49 መራኸብቲ ሓፋሽ ግብረ መልሲ ከምዝሃበ ብምግላፅ፥ ንኣርባዕተ ትካላት መራኸብቲ ሓፋሽ ድማ ደብዳቤ መልእኽቲ መጠንቀቕታ ንኽበፅሖም ከምዝተገብረ ኣብረሪሆም።

ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ጎንፂን ቅርሕንቲን ዝፈጥሩ ሓሳባት ኣብ ልዕሊ ዘመሓላልፉ መራኸብቲ ሓፋሽ፥ ሕጊ መሰረት ብምግባር ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝጅምር እቶም ምክትል ዋና ዳይሬክተር ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.