Fana: At a Speed of Life!

ብቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ዝተሃነፁ 38 ኣባይቲ ንዓቕሚ ዘይብሎም ተመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ብ11 ሚሊየን ብር ወፃኢ ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ዝተሃነፁ 38 ኣባይቲ ንዓቕሚ ዘይብሎም ተመሓላሊፎም።

ከንቲባ እታ ከተማ ኣይተ ኣዳነ ተ/ጊዮርግስ፥ እቶም ኣባይቲ ደረጀኦም ብምሕላው ነክዛዘሙ ደገፍን ክትትል ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ኣይተ ፍቓዱ ሶቦቃ ብግደኦም፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝነበረ ልምዲ ብምውሳድ ኣብዚ ዓመት ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ንክህሊ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ነቶም ወገናት ንሰለስተ ኣዋረሕ ዝኸወነ ቀለብ፣ ዓራት፣ ኮቦርታን ነሕድሕዶም 2 ሺሕ ብርን ከምዝተውሃቦም ኣይተ ፍቓዱ ተዛሪቦም።

ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒሰተር ወይዘሮ ኣለምፀሐይ ጳውሎስ፥ “ሓድነትና እንተጠናኺርና በምትሕስሳብን ብምድግጋፍን ፀገማት ምቅራፍ ንኽአል ኢና፤ ነዚ ድማ እዚ ስራሕ መስከር ኢዩ” ኢለን።

እቶም ተረባሕቲ ብግደኦም፥ ዝተውሃቦም መንበሪ ፀገሞም ዝፈትሕ ምዃኑ ምዝራቦም ኢቢኤን ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.