Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ ምስ ኣመራርሓታት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣመራርሓታት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተዛትዮም።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ኩነታት ሃገር ዘድሃበ ዘተ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል እናተሰርሑ ዝርከቡ ትካላዊ ለውጢታት ብዝምልከት ገምጋም ኣካይዶም።

ኣመራርሓን ኣባላትን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፥ ዘለዎም ፍቕሪ ሃገር ዝነኣድ ምዃኑ እውን ኣብቲ እዋን ዘተ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ዘለዎም ኩሉ ንሃገሮም ንምሃብ ቆራፃት ከምዝኾኑ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሃበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.