Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዘለወን ክልቲኣዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዘለወን ክልቲኣዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዝነበረ ሓበራዊ ኣኼባ ኮሚሽን ሚኒስቴራት ኢትዮ-ጂቡቲ ተዛዚሙ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣብቲ መዛዘሚ መርሃ ገብሪ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ እቲ መድረኽ ሕውነት፣ ምትሕብባርን ሓበራዊ ምትእምማንን ዝተርኣየሉ ውፅኢታዊ ኢዩ ነይሩ ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ ዘይተተንከፉ ዕድላት ናይ ሓባር ረብሓ ብዘኽበረ መገዲ ዘለዎም ርክብ ብዝበለፀ ምዕባይ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ጅቡቲ ማህሙድ ዓሊ ብግደኦም፥ ኣብ መንጎ ከልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘኽእል ኣኼባ ከምዝኾነ ገሊፆም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.