Fana: At a Speed of Life!

ጂቡቲ ካብ ኢትዮጵያ ስርናይ ክትገዝእ ከምትደሊ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጂቡቲ ካብ ኢትዮጵያ ስርናይ ክትገዝእ ከምትደሊ ሚኒስቴር ሕርሻ እታ ሃገር ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስትር ሕርሻ ጂቡቲ መሓመድ ኣሕመድ ኣዋሌህ ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ÷ ኢትዮጵያ ናብ ጂቡቱ ኣብ ዘፈር ሕርሻ ፍርያት ፍረምረን ቀረብ ፅሩይ መስተ ማይን ኣብ ምምችቻው ልዑል ግደ ኣለዋ።

ኢትዮጵያ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ለውጢ ንብረት ኣየር ንምክልኻልን ዝጀመረቶ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር÷ንጂቡቲ ንምግብነትን ልምዓት ደኒን ዝውዕሉ ፈልሲታት ከምዝለገሰት ፀሪሖም።

ጂቡቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝጀመረቶ ልምዓት ስርናይ ብዙሕ ተሞክሮ ከምትወስድ ዝሐበሩ እቶም ሚኒትር÷ ስርናይ ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ምቕራብ እንትትጅምር ጂቡቲ ናይ ምግዛእ ድሌት ከምዘለዋ ኣረጋጊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.