Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ድሕንነት ዜጋታት ንምሕላውን ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምርግጋፅን ብቖራፅነት ይሰርሕ ኣሎ – ታዬ ኣፅቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕንነት ዜጋታት ንምሕላውን ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምርግጋፅን ብቖራፅነት እናሰርሐ ምዃኑ ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስት ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።

ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት “ሰላምን ድሕንነትን ኣብ ኣፍሪካ” ኣብ ዝብል ዛዕባ ትማሊ ዕፁው ኣኼባ ኣካይዱ።

አምባሳደር ታዬ እቲ ኣኼባ ስዒቡ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ነቲ ቤት ምኽ መብርሂ ሂቦም።

ኣብቲ እዋን መንግስቲ መሰል ኩሎም ኢትዮጵያውያን ንምሕላውን ክኽበር ንምግባርን፣ ድሕንነት ሰላማዊ ዜጋታት ንምሕላውን ከምኡ እውን ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምርግጋፅን ብቖራፅነት እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዝቆፃፀሮም ከባቢታት ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን ዝርገሐን ንምቅልጣፍ ዝተወሰዱ ጭቡጣት ስጉምቲታት ኣመልኪቶም እውን መብርሂ ሂቦም።

ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ስትራቴጂክ ቦታታትን ቁልፊ መሰረተ ልምዓታትን መሊሱ ብምቁፅፃር ሕጋዊነትን ጭቡጥን ምኽንያታት ኣብ ዝምልከት እውን ገለፃ ገይሮም።

ጉዳይ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ መምርሒ ዝተደረኸ ኣረኣእያ ከምዝሓትትን እውን ኣብቲ እዋን ተዛሪቦም።

ካብዚ ሓሊፉ ሓይሊታት ፀፅታን መንግስቲን ኢትዮጵያ ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ዝኾ ይኹ ክፋል እታ ሃገር ምንቅስቓስ ከምዝኽእሉ ነቲ ቤት ምኽሪ ኣብሪሆም።

ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪካ እቲ ፀገም ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ መንግስቲ ቆራፅ ከምዝኾነ እውን ኣምባሳደር ታዬ ኣብ መብርሂኦም ገሊፆም።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ እቲ ከይዲ ንኽወት ሓገዝ ንኽገብሩን ኣብቲ ከይዲ ጥረጣረ ዝፈጥሩ ቅዋማት ካብ ምንፅብራቕ ክቑጠቡኑ ፀዊዖም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.