Fana: At a Speed of Life!

መመሓላለፊ መስመር ልዑል ሓይሊ ወልዲያ – ኣላማጣ ፅገና ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ጉድኣት ዝበፅሖ መመሓላለፊ መስመር በዓል 230 ኪሎ ቮልት ልዑል ሓይሊ ወልዲያ – ኣላማጣ ፅገና ከምዝተጀመረ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ፅገና እቲ ሓይሊ መስመር ልዕሊ ሓደ ዓመት ሓይሊ ተቛሪፁዎም ዝነበሩ ከተማታት ላሊበላን ሰቖጣን ከምኡ እውን ካልኦት ከባቢታት ዞባ ዋግህምራ ሓይሊ መብራህቲ ክረኽቡ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ካብ ወለዲያ ጣቢያ መከፋፈሊ ሓይሊ ዶሮ ግብር ክሳሰብ መከፋፈሊ ጣያ ኣላማጣ ብዝተገበረ ፈተሸ ኣብ 50 ቦታታት ምቑራፅን ምጉዳእን ኮንዳክተራት ከምዘጋጠሞም ተሓቢሩ፡፡

መከፋፈሊ ጣቢያ ኣላማጣ ቅድም ክብል ካብ ባህርዳር፣ ኣሸጎዳን ኮምቦልቻን ካብ ዝተዘርግሑ መስመራት ሓይሊ እናረኸበ ዝነበረ እንትኸውን÷ካብ ባህርዳር እተዘርገሐ መስመር መመሓላለፊ ሓይሊ ክሳብ ዝፅገን ካብ ኮምቦልቻ ኣላማጣ ዘሎ በዓል 230 ኪሎ ቮልት መስመር ናይ ምፅጋን ስራሕ ተጀሚሩ።

እቲ ፅገና እንትዛዘም ካብ ጣቢያ መከፋፈሊ ኣላማጣ ብ66 ኪሎ ቮት ሓይሊ እናረኸቡ ዝነበሩ መስመራት ላሊበላ ሰቆጣን ማይጨውን ዳግም ሓይሊ ንኽረኽቡ ዘኽእል ኢዩ ምባሉ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ካብ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ናፃ ኣብ ዝወፅኡ ከባቢታት ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ንምጅማር ኣብ መፅናዕቲ ዝተመስረተ ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ÷ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ቅድም ክብል ምግላፁ ይዝከር።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.