Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ቁልፊ ዝበሃላ ከተማታት ትግራይ ምቁፅፃር ቀፂሉ

እዋናዊ መግለፂ ኣገልፍሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ቁልፊ ዝበሃላ ከተማታት ትግራይ ምቁፅፃር ቀፂሉ።

እዚ እንትገብር ድማ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ከተማታት ውግእ እንተይገበረ ወታደራዊ ዓቕሚ ህወሓት ንምሽምድማድ ዘኽእል ሜላ ተጠቒሙ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ብምውዳድ ኣብ ዝተቖፃፀሮም ከባቢታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽበፅሕ እናሰርሐ ይርከብ።

ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት ኣብቶም ከባቢታት ኣገልግሎት ንምጅማር ዘኽእል ምድላው ንኽቀላጠፉ እናገበረ ይርከብ።

ምስ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ብምዝርራብ እውን ህዝባዊ ምምሕዳር ዝጣየሸሉን ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝጅምሩሉን መገዲ የመዓራሪ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ ብሕብረት ኣፍሪካ ኣቢሉ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝካየድ ዝርርብ ሰላም ክሳተፍ ኢዩ።

እቲ ኣጋጣሚ÷ ዝርርብ ሰላ ጎንፂ ብሰላም ንምፍታሕ ዝከኣለሉ ዕድል ገይሩ ይምልከቶ።

ብመስዋእቲ ሰራዊት ምክልኻል ሓይሊና እናተመዓራረየ ዝመፅአ ኩነታት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ምቹው ኣጋጣሚ ገይሩ ይወስዶ።

ኣብቲ ዝርርብ ሰላም ዝሳተፍ ሉኡኽ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኑጉሆ ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣምሪሑ።

ኣገልፍሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

14 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.