Fana: At a Speed of Life!

ወ/ሮ ዳግማዊት ሞገስ ሽልማት ኣቪዬተርስ ኣፍሪካ ተሸሊመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዳግማዊት ሞገስ ሽልማት ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ኣቪዬሽን ኣርኣያ ንዝኾኑ ውልቀ ቅባትን ትካላትንዝወሃብ ሽልማት ኣቪዬተርስ ኣፍሪካ ብምድብ ፈጠርቲ ለውጢ ተሸሊመን፡፡

ደቡብ ኣፍሪካ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝተኻየደ 4ይ መድረኽ ሽልማትን ኣፍልጦን ኣቪዬተርስ ኣፍሪካ፥ ወ/ሮ ዳግማዊት ሞገስ ብዝሃበኦ ዕዙዝ ኣመራርሓ ስራሕ ኣብ ምድብ ፈጠርቲ ለውጢ ተሸላሚት ከምዝኾና ካብቲ የሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ኢንዱስትሪ ኣቪዬሽን ንዕቤት ኣቪዬሽን ኣፍሪካ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱን ፈጠርቲ ለውጢን ኣፍልጦ ዝወሃበሉ ሃገር በቆል ሽልማት ኣፍሪካ ኣቪዬተርስ ኣፍሪካ ሽልማት (ታወር ሽልማት)፥ ዘላቕነት ኣቪዬሽን ኣፍሪካ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ን4ይ ግዜ ተኻይዱ፡፡

ወ/ሮ ዳግማዊት ሞገስ ኣፍቲ መድረኽ፥ ኢንዱስትሪ ኣቬዬሽን ድሕንነቱ ተሓሊዩ ንኽንቀሳቐስ ብዝሃበኦ ኣመራርሓን ኣብቲ ዓውዲ ለውጢ ንኽመፅእ ዝተፃፃወተኦ ዕዙዝ ግደን ኣፍልጦ ተበርኪቱለን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.