Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ካብቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ናፃ ዝወፅኡ ከባቢታት ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝሳለጠ መገዲ ንኽበፅሕ እኹል ምድላው ተገይሩ – ንሰብኣዊ ሃገዝ ዝተጣየሸ ኮሚቴ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ጥቅምቲ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ናፃ ዝወፅኡ ከባቢታት ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝሳለጠ መገዲ ንኽበፅሕ እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ንሰብኣዊ ሃገዝ ዝተጣየሸ ኮሚቴ ኣፍሊጡ።

ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምስላጥ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ሚኒቴር ጉዳያት ወፃኢ፣ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን፣ ሰራዊት ምክልኻል፣ ፖሊስ ፌዴራልን ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግአት ሓደጋ ኢትዮጵያን ኮሚቴ ተጣይሹ ናብ ስራሕ ኣቲዩ።

ኣካቢ እቲ ኮሚቴ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን÷ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዝተቖፃፀሮም ከባቢታት ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝተሳለጠ መልክዑ ንምብፃሕ መንግስቲ ልዑል ትኹረት ከምዝሃበን ናብ ተግባር ከምዝኣተወን ገሊፆም።

እቲ ኮሚቴ ምድላዋቱ ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ዘተ ካብ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ናፃ ዝወፅኡ ከባቢታት ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽበፅሕ መዳርግቲ ኣካላት እኹል ምድላው ከምዝገበሩ ኣረጋጊፁ።

መዕርፎ ነፈርቲ ሽረ ተጠቒምካ ሓገዝ ምብፃሕ ከምዝሓውስ ምብፃ ሓገዝ ኣምባሳደር ሬድዋን ተዛሪቦም።

ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝተዋደደ፣ ብዝቐልጠፈን መገዲ ምብፃሕ÷ ፅኑዕ ቅዋም መንግስቲ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

መንግስቲ ዘቐመጦ ኣንፈት ግቡእን ትኽክለኛን ከምዝኾነ ዝሓበሩ ኣባላት እቲ ኮሚቴ÷ እቲ ውሳነ ንምትግባር በቢዓውዱ ዝምልከቶም ኣካላት እኹል ምድላው ምግባሮም ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.