Fana: At a Speed of Life!

እስራኤል ሕቶ ኣፅዋር ዩክሬንን ውድቂ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል ናብ ዩክሬን ኣፅዋር ከምዘይትልእኽ ኣፍሊጣ፡፡

ሚኒስትር ፍትሒ እስራኤል ጊዴኦን ሳኣር ÷ “ንዩክሬን ንገብሮ ሓገዝ ቀረብ ኣፅዋር ኣየካትትን፤ ኣብዚ ጉዳይ ለውጢ ቅዋም ኣይገበርናን” ኢሎም፡፡

ሚኒስትር ጉዳያት ዳያስፖራ እስራኤል ዝኾኑ ናችማን ሻይ ቅድም ክብል ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ “እስራኤል ንዩክሬን ሓገዝ ኣፅዋር ትገብረሉ እዋን ሕዚ ኢዩ” ኢሎም ከምዝነበሩ ይዝከር።

መግለፂ እቶም ሚኒስትር በወገን ሩሲያ ቁጠዐ ከምዝቀስቀሰ ተሓቢሩ ነይሩ፡፡

ሚኒስትር ፍትሒ እስራኤል ጊዴኦን ሳኣር ኣብ ዝሃቡዎ ምርሂ ድማ÷ ንዩክሬን ዝግበር ሓገዝ ቀረብ ኣፅዋር ከምዘየካትትን ኣብቲ ጉዳይ ናይ ቅዋም ለውጢ ከምዘይተገበረን ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.