Fana: At a Speed of Life!

ብሔራዊ ባንኪ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ንዝጥቁሙ ውዕለታ ዝኸፍለሉ መምርሒ ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሔራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ንዝጥቁሙ ኣካላት ውዕለታ ዝኸፍለሉ መምርሒ ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ።

እቲ ባንኪ ኣብ ቀረባ እዋን ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ንዝጥቁሙ ዜጋታት ውዕለታ ክኸፍል እየ ምባሉ ስዒቡ ኢዩ ብዛዕባ እቲ መምርሒ ሎሚ መዓልቲ ሓፈሻዊ መብርሂ ሂቡ ዘሎ፡፡

ሕብረተሰብ ኣብ ኣርባዕተ ዘይሕጋዊ ጉዳያት ሓበሬታ ንኽገብርን ጥቆማ ንዝህቡ ዜጋታት ድማ ውዕለታ ከምዝኸፍል ምሕባሩ ይፍለጥ፡፡

ብመሰረት እዚ፡-

  1. ልዕሊ ተፈቀደ ናይ ውሽጢ ሃገር ይኹን ወፃኢ ገንዘብ ምኽዛን
  2. ናይ ሕሶት ገንዘብ ሕትመት ምፍፃም
  3. ወርቂ ምኽዛን
  4. ገንዘብ ብዘይሕጋዊ መገዲ ብዘይፍቓድ ዘመሓላልፉ ውልቀሰባት ጥቆማ ንኽህቡን ዜጋታት ንዝህቡዎ ሓበሬታ ውዕለታ ከምዝኽፈሎምን ተገሊፁ፡፡

ብባንኪ ካብ ዝተፈቐደ ገንዘብ ንላዕሊ ዘለዎ መጠን ሒሒም ዝርከቡ ውልቀ ሰባት ንዝጥቁሙ ካብ ዝተትሃዘ ገንዘብ 15 ሚኢታዊ፣ ዝውውር ገንዘብ ወፃኢ ሃገር ንዝጥቁሙ 15 ሚኢታዊ፣ ዘይሕጋዊ ሓዋላ ንዝጥቁሙ 25 ሺሕ ብር ውዕለታ ከምዝኽፈል ተሓቢሩ፡፡

ውልቀ ሰባት ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 100 ሺሕ ምሓዝ፣ ንትካላት ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 200 ሺሕ ምሓዝዝ ዝተኸልከለ ኢዩ።

ጥቆማ ዝህቡ ሰባት ብቁፅሪ ስልኪ 0118133960፣ ብኢ.ሜል ኣድራሻ tikoma@nbe.et፣ ብቁፅሪ ፋክስ 0115514366 ከምኡ እውን ፖ.ሳ.ቁ ብሔራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ 5550 ኣቢሎም ክህቡ ከምዝኽእሉ እቲ ባንኪ ኣፍሊጡ።

ብፀጋዬ ወንደወሰን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.