Fana: At a Speed of Life!

ግድብ ህዳሰ መእሰሪ ሓድነትና ስለዝኾነ ኣአብ ፍጻምኡ ንምብፃሕ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና  – ኣመራርሓታት ፖለቲካ ፓርቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ መእሰሪ ሓድነትና ስለዝኾነ አፈላላይ ፖለቲካ እንተይገደበና ኣብ ፍፃምኡ ንምብፃሕ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና  ክብሉ  ኣመራርሓታት ተናሓናሕቲ ፖለቲካ ፓርቲ ገሊፆም።

እቶም ኣመራርሓታት ግድብ ህዳሰ ኣብ ዝርከበሉ ቦታ ብምርካብ እዋናዊ ከይዲ ህንፀት ከምዝተዓዘቡ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እቶም ፓርቲታት ፖለቲካ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ንምርግጋፅ ሓድነት፣ ሰላምን ልምዓትን ሃገር ናይ ባዕሎም ግደ ከምዝዋፅኡ ቃል ኣቲዮም።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ዕለታዊ ምግቡ ነክዩ ህንፀት እቲ ግድብ ንምዕዋት እናበርከቶ ዝረከብ ኣስተዋፅኦ ንኢዶም።

ብወገን መንግስቲ ዝተርኣየ ቆራፅነት እውን ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ኣገንዚቦም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.