Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 550 ሚልየን ብር ዘመዝገቡ 91 ሰብ ሃፍቲ ኣብ ከተማ ሽረ ፍቓድ ኢንቨስትመንት ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት 2012 ዓ.ም ን91ሰብ ሃፍቲ ፍቓድ ኢንቨስትመንት ከምዝሃበ ቤት ፅሕፈት ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ክላስተር ሽረ ኣፍሊጡ ።

እቶም ሰብ ሃፍቲ ልዕሊ 550 ሚልየን ብር ርእሰማል ዘመዝገቡ ኢዮም።

ተተካኢ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ኮምሽን ኣይተ ማዓሾ ገብረስላሰ፥ እቶም ሰብ ሃፍቲ ኣብ ከተማ ሕርሻን ማኒፋክቸሪንግን ዝነጥፉ እዮም ኢሎም ።

ንልዕሊ 4 ሺሕ መናኣሰይ ብቀዋምን ግዝያዉን ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ዘኽእሉ ከምዝኾኑ እውን ተገሊፁ።

እቲ ኮሚሽን ብ ኣዋጅ ቁፅሪ 319/2011 ዓ.ም ቦታታት ኢንቨስትመንት ከማሓድር፣ ከፅድቕን ክዕድልን ሓላፍነት ከምዝተዉሃቦ ይፍለጥ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ብሳራ ኣብራሃለይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.