Fana: At a Speed of Life!

ብደምና ዘኽበርናያ ሰንደቕ ዕላማ ብረሃፅና ክብ ክነብላ ኢና! – ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”ብደምና ዘኽበርናያ ሰንደቕ ዕላማ ብረሃፅና ክብ ክነብላ ኢና” ክብል ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ መበል 15 በዓል መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተኸቢሩ ክውዕል ኢዩ።

“እቲ በዓል እንትነኽብር ብደም ሓሊና ዘፅናሕናያ ሃገርና ብደምናን ረሃፅናን ነጠንክራ ኣለና፤ ሰንደቅ ዕላማ ምልክት ሃገር ኢዩ” ኢሉ።

ጀጋኑ ኢትዮጵያውያን ነቲ ኣርማ ሒዞም መስዋእቲ ከምዝኸፈሉ ዝገለፀ እቲ ኣገልግሎት÷ እቲ ኣርማ ሒዞም ኣብ ዓለም ኣደባባይ ከምዝሰዓሩን ካብ ሕሊና ኩሎም ካብ ህጻን ክሳብ ዓብዪ ዘይሕከኽ ማህተም ከምዘዕረፈን ኣፍሊጡ።

ሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያ ናይ ትማሊ ሓበራዊ ታሪኽና፣ ናይ ሎሚ ፃዕርናን ናይ ፅባሕ ተስፋናን ከምኡ እውን ብህብረ ብሄራዊ ሓድነትና ኣጣሚሩ ዝሓዘ ማሕተም ክብሪናን መንነትናን ኢዩ” ኢሉ ኣብ መግለፂኡ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ከይዲ ዘበናት ሰንደቕ ዕላማኣ ተሓንጊጦም ንሉኣላውነታን ሓድነታን ዝተዋደቑ ጀጋኑ ኢትዮጵያውያን ዘለዉዋ ሃገር ከምዝኾነት እውን ገሊፁ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ሰንደቕ ዕላማ ተሓንጊጦም ኢትዮጵያ ንምፍራስ ዝተለዓሉ ፀላእቲ አሕፊሩ ዝምልስ ወለዶ ዘለዋ መሬት ከምዝኾነት ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣብ መግለፂኡ ኣፍሊጡ፡፡

ናይ ቀረባን ርሑቕን ፀላእቲ÷ ምስ ግብረ ራዕዲ ባንዳታት ውሽጢ ዓዲ ተሓባቢሮም ኢትዮጵያ ንምብታን ክሳብ ዝኽእሉዎ ቦታ ተጓዒዞም፤ ብደምን ብርተዐን ደቃ ሕልሚ ኮይኑ ከምዝተረፈ ገሊፁ፡፡

ሃገር ንምብታን ዝተፈላለዩ መፃወድያታት ኣሰናዲኦም ዝተለዓሉ ፃላእቲ፤ ብሓበራዊ ርብርብ ንክብሪ ሰንደቖም ዝስዉኡ ጀጋኑ ኢትዮጵያውያን ሽትኡ እንተይወቕዐ መኺኑ ከምዝተረፈ ኣብ መግለፂኡ ኣብሪሁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.