Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ ዝተሃነፁ ማእኸላት መመገቢ ተምሃሮ ተመሪቆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ ዝተሃነፁ 10 ማእኸላት መመገቢ ተምሃሮ ሎመዓንቲ ተመሪቆም፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ መደረ ዘስምዑ ምክትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ኢንዱስትሪን ኢንተርፕራይዝን ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ከምዝገለፁዎ÷ እቶም መመገቢ ማእኸላት ብሓገዝ ምምሕዳር ከተማን ባንኪ ዓለምን ፍሉይ ክትትል ዝተሃነፁ እዮም፡፡

እቶም መመገቢ ማእኸላት ጥዕንኡ ዝተሓለወ ኣፍራዪ ሓይሊ ሰብ ዝፈጥሩ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን ፀገማት ተምሃሮን ወለድን ዘቓልሉ ከምኡ እውን ፅሬት ትምህርቲ ዝረጋገፅሎም ምዃኖም ኣብሪሆም፡፡

ንኣዴታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠሩ ምጋላፁ እውን ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ መረዳእታ የመላኽት፡፡

ኣብ ውሽጢ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ 128 ኣብያተ ትምህርቲ÷ ማእኸላት መመገቢ ተምሃሮ ከምዝተሃነፁ እቶም ምክትል ከንቲባ ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.