Fana: At a Speed of Life!

ዝተጀመረ ጉዕዞ ምዕባለ ንምዕዋት ኣብ ዓዉዲ ሕርሻ ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ልዑል ረብሓ ኣለዎመም – ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ኣፈ ጉባኤታት ቤት ምኽሪ ክልልን ፌዴሬሽንን ኣብ ዞባ ጅማ ወረዳ  ሶንቦ፤ ብኩታ ገጠም ዝለምዐ ልምዓት ሩዝ ጎብንዮም፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ÷ ልምዓት ስርናይ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዓዉዲ ሕርሻ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ሃገር ዝጀመረቶ ጉዕዞ ብልፅግና ንምዕዋት ልዑል ረብሓ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ ዞባ ጅማ ወረዳ ሸቤ ዝርከብ ልምዓት ሩዝ ንኻልኦት ከባቢታት መርኣያ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ኣይተ ታገሰ÷ “መበገሲ ዉሽጣዊ ፀገማትና ዝኾነ ድኽነት ንምፍታሕ፤ ብዓዉዲ ሕርሻ እናተሰርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ዝበረታትዑ ኢዮም ኢሎም፡፡

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣይተ ኣገኘዉ ተሸገር ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ብዓዉዲ ሕርሻ ዝሓዘቶ ሽቶ ንምዕዋት ክልላት ንጡፍ ተሳትፎ እናገበራ እየን ኢሎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.