Fana: At a Speed of Life!

መበል 15 መዓልቲ ባንዴራ ፅባሕ ክኽበር እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 15 መዓልቲ ሃገራዊ ባንዴራ ፅባሕ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ከምዝኽበር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌደሬሽን ኣፍሊጡ።

እቲ በዓል “ባንዴራና መግለፂ ብዝሃነትናን ዓምዲ ሉኣላውነትና እዩ!” ብዝብል መሪሕ ቃል እዩ ዝኽበር።

እቲ በዓል እዋናዊ ኩነታት መሰረት ብዝገበረ መልክዕ ብደረጃ ፌደራል፣ ክልልን ከምኡ እውን ክልቲአን ምምሕዳር ከተማታት ብመሰረት መትከላት ባንዴራ ንመበል 15 ግዘ ከም ዝኽበርን ሃገራዊ ሪፎርም ብዘቐፅሉ ዘተታት ተዓጂቡ በቢትካላት ከም ዝኽበር ተሓቢሩ።

ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ባንዴራ ዝኽበር ዘሎ ካብ ቀረባን ርሑቕን ዝመጹ ግዳማውያን ጸላእትና ብውሽጣዊ ቑፅረኛታትን ልኡኻቶም ሃገራዊ ሓድነትናን ልኡላውነትናን ኣብ ሓደጋ ንምእታው ኣብ ዝሰርሑሉ ዘለዉ እዋን ዝኽበር ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን፤ እዚ በዓል ምኽባር ሃገራዊ ሓድነትና ንምጥንኻር፣ ልኡላውነትና ንምኽባርን ዝያዳ ሃገራዊ ትንሳኤ ንምፍጣርን ዓብይ ትርጉም ከምዘለዎ እቲ ቤት ምኽሪ ኣመልኪቱ።

እቲ መዓልቲ ንክብሪ ሃገርን ጥቕምን ኩላትና ከም ዜጋ ግደና ንምግባር ኣብ ቅድሚ ባንዴራ ዳግም ቃልና ነሕድሰሉ ዕለት ክኾን እዩ ምባሉ ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝረኽብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.