Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ 7 ኣዋርሕ 1 ነጥቢ 67 ሚሊየን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረሎም ኮሚሽን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብብርኪ ሃገር ኣብ ዝሓለፉ 7 ኣዋርሕ 1 ነጥቢ 67 ሚሊየን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረሎም ኮሚሽን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ኣፍሊጡ።

ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ኢትዮጵያ ኣፈፃፅማ ስራሕ ሸውዓተ ኣዋርሕ ብዝምልከት ትማሊ ኣብ ሆቴል ሸራተን መድረኽ ዘተ ኣሳሊጡ።

ኣካቢ እቲ ቤት ምኽሪ ኣይተ ደመቀ መኮነን፥ ብብርኪ ሃገር ዝግበር ምንቅስቓስ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ብዝተዋደደ መገዲ ክፍፀም ኣለዎ ኢሎም።

ሎሚ ዘበን ትልሚ ካብ ምውፃእ ጀሚሩ ምስ ክልላት ብምውዳድ ከምዝተፈፀመ ዝሓበሩ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ፥ ኣብ ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት ኣብ ዝተገበረ ርብርብ ውፅኢታዊ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ 1 ነጥቢ 67 ሚሊየን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረሎም እውን ተገሊፁ።

ስለዝኾነ በቢብርኩ ዘሎ ኣመራርሓ ክትትልን ደገፍን ብምግባሩ እወንታዊ ውፅኢት ክርከብ ከምዝተኽኣለ ድማ ኣይተ ደመቀ ኣብሪሆም።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.