Fana: At a Speed of Life!

ኣፈፃፅማ ቀዳማይ ዙር ፈተና 12 ክፍሊ ተገምጊሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2015፣ ( ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ትምህርቲ ኣይተ ብርሃኑ ነጋ ኣብ ዝተረኸብሉኣፈፃፅማ ቀዳማይ ዙር ፈተና 12 ክፍሊ  ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ፌዴራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ተገምጊሙ።

ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ኣብቲ ገምጋም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ምስ ክልላት ፖሊስን ካልኦት ኣካላት ፀጥታን ድሕንነትን ብምውህሃድ ሓላፍነቱ ብብቕዓት ከምዝተፈፀመ ገሊፆም።

ኣብቲ መድረኽ ገምጋም ኣብ ከይዲ ኣፈፃፅማ ፈተና ቀዳማይ ዙር ዝነበረ ድሩትነት ብምእራምን ኢሉ እውን ጥንኩር ጎንታቱ ንክጠናኸሩ ንምግባር ኣድላይ እዩ ምባሎም ሓበሬታ ፖሊስ ፌደራል የመላኽት።

ኮሚሽነር ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ጀነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል ብወገኖም፡- ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ኣካላት ፀጥታን ድሕንነትን ብምትሕብባር ምስ ሚኒስቴር ትምህርቲ ተዋዲዱ ነቲ ፈተና ብምዕጃብ፣ ስጡም ተፍትሽ ብምክያድን ኣብ ከባቢ ጣብያ ፈተና ፀጥታ ብምጥንኻር ዕውት ስራሕ ተሰሪሑ እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ ቀዳማይ ዙር ዘጋጠሙና ፀገማት ብምፍታሕ ተፈተንቲ ካልኣይ ዙር ብዘይ ምንም ፀገም ፀጥታ ነቲ ፈተና ብዕውት ኩነታት ንክዛዝሙ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ኣካላት ፀጥታን ደሕንነትን ብምዃን እኹል ምድላው ብምግባር ናብ ተግባር  ከምዝኣተወ እውን እዩ ዝገለፁ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.