Fana: At a Speed of Life!

ኪዩር ኢትዮጵያ ን3 ሽሕን 200 ህፃናትን መናእሰይን ኣገልግሎት ሕክምና ንምሃብ ምእንፋቱ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኪዩር ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት ጉድኣት ኣካልን ሕማምን ንዘለዎም ን3 ሽሕን 200 ህፃናትን መናእሰይን ኣገልግሎት ሕክምና ንምሃብ ምእንፋቱ ገሊፁ፡፡

ኪዩር ኢትዮጵያ ትማሊ ን46 ጉድኣት ኣካል ህፃናትን መናእሰይን ዘመናዊ ሰብ ሰራሕ ኣካል ድጋፍ ገይሩ።

ዋና መካየዲ ስራሕ ሆስፒታል ህጻናት ኪዩር ኢትዮጵያ ኣደይ ኣበበ÷ እቲ ሆስፒታል ንህጻናትን መናእሰይን ሕክምና ኣዕፅምትን ቆርበትን ከምዝህብ ገሊጸን፡፡

ብፍላይ ጉድኣት ኢድን እግርን ንዘለዎም ህፃናትን መናእሰይን ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ከምዝርከብ ገሊፀን፡፡

ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ካብ ዝርከቡ መወሸቢ ማእኸላትን  ሪፈራል ሆስፒታላትን ዝተጎድኡ ሰባት ከምዝመፁ ኣዘኻኺረን፡፡

ኪዩር ኢትዮጵያ በቢ ዓመቱ ን3 ሽሕ ህጻናትን መናእሰይን ናፃ ሕክምና ዝህብ ምዃኑ ብምዝኽኻር ኣብ 2015 ዓ.ም ን3 ሽሕን  200 ተሓከምቲ ናፃ ሕክምና ንምሃብ ምትላሙ ጠቒሰን።

ድጋፍ ሰብ ሰራሕ ኣካል ዝተገበረሎም ህፃናት ብግደኦም÷ጉድኣት ኣካል ካብ ምምሃር፣ ካብ ምስራሕን ሕልምና ካብ ምስኻዕን ኣይድርኸናን ክብሉ መልእኽቶም ምምሕልላፎም ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ጸብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.