Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ሓለፍቲ ቤት ምኽሪ ኮርፖሬት ኣፍሪካ ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ሓለፍቲ ቤት ምኽሪ ኮርፖሬት ኣፍሪካ ብዛዕባ ተጠቃምነት ነፃ ዕዳጋ ኣጎዋ ዘትዮም።

ኮርፖሬት ካውንስል ፎር ኣፍሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪካ ዘተኮረ ፎረም ንግዲ እንትኸውን፥ ቀንዲ ትኹረት እቲ ዘተ ኣብ ኣጠቓቕማ ዕድል ናፃ ዕዳጋ ኣጎዋ ማእኸል ዝገበረ ምዃኑ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ቀንዲ ግዳያት እገዳ ዕድል ናፃ ዕዳጋ ኣጉዋ ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ እውን ትሑት እታወት ዘለዎም ክፋላት ሕብረተሰብ ምዃኖም ተሓቢሩ።

ሰላምን ምርግጋእን ንምርግጋፅ ብወገን መንግስቲ ተወፋይነት ከምዘሎ፤ ከምኡ’ውን ኣብ ፅገና ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ዝተመዝገበ ውፅኢት ከምኡ’ውን ንመምለሲ ዕድል ዕዳጋ ኣጎዋ ብመንፅር ዝተቐመጡ ቅድመ ኩነታት ዝተራእየ ምምሕያሻት ከምዘሎ እቶም ሚኒስትር ኣብሪሆም።

ፕረዚደንት እቲ ካውንስል ፍሎሪ ሊዘር ብግደአን፥ ብውልቀ ዘፈር ዝምራሕ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ እኹል ርድኢት ከምዝረኸባ ገሊፀን።

ኣብዚኦምን ካልኦት ተመሳሰልቲ ጉዳያትን መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ከምዝድግፋ እውን ኣረጋጊፀን።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.