Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ንሰራዊት ምክልኻል ልዕሊ 62 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ተፀዋዕቲ ትካላቱን ንሰራዊት ምክልኻል ዝኸውን ልዕሊ 62 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገንዘብን ዓይነትን ገይሮም።

እቲ ሓገዝ ሚኒትር ዲኤታ ፕላንን ልምዓትን ጥሩማር ኣባተንን ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ፖሊሲን መፅናዕቲን ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ንሚኒስትር ዲኤታ ምክልኻል ማርታ ሊዊጂ ኣረኪቦም።

ኣብ ውሽጢ ተፀዋዕቲ ትካላት ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን÷ ኣገልግሎት ስታቲስቲክስ ኢትዮጵያ፣ ኢኒስቲትዩት ፖሊሲን መፅናዕቲን ኢትዮጵያን በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢን ከምዝርከቡዎ ተሓቢሩ፡፡

ብሳሙኤል ወርቃየሁ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.