Fana: At a Speed of Life!

ምይይጣት ቅድመ ጉባኤ 10ይ ጣና ፎረም ይካየዱ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጉዳያ ሰላምን ፀፅታ ዝመክር ጉባኤ ጣና ፎረም ምይይጥ ቅድመ ጉባኤ ይሳለጥ ተጀሚሩ።

እቲ ቅድመ ምይይጥ÷ ታሪኽ ቃልሲን መሪሕነትን ነበር ተቃላሲ ናፅነትን ፕሬዚዳንት ዛምቢያ ዝነበሩን ኬኔት ካውንዳ ኣድሂቡ እናተኻየደ ይርከብ።

እቲ መኽፈቲ ልዝብ ኬንያዊ ፓን ኣፍሪካኒስት ምሁርን ኣባል ቦርድ ጣና ፎረምን ፓትሪክ ሎቾ ኦቲዬኖ ሉሙምባ ዝመርሑዎ እንትኸውን÷ ወዲ ወዶም ንነበር ፕሬዚዳንት ዛምቢያ ማሉዳ ካውንዳ ተረኺም።

እቶም ሙሁር ታሪኽን ፖለቲካን ሲሺዋ ሲሺዋ ካውንዳ÷ ኣብ ኬኔት ካውንዳ ዘድሃበ ገለፃ ገይሮም።

ልዕሊ 300 ኣጋይሽ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዝሳተፉሉ 10ይ ጉባኤ ጣና ፎረም÷ ፅባሕ ኣብ ከተማ ባህርዳር ብዕሊ ክኽፈት ኢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.