Fana: At a Speed of Life!

መበል ዓስራይ  ፎረም ጣና ኣብ ጉዳያት ሰላምን ድሕንነትን ጠሚቱ ክሳለጥ ኢዩ-ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ ፣ ጥቅምት 3 ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) መበል ዓስራይ  ፎረም ጣና ኣብ ጉዳያት ሰላምን ድሕንነትን ጠሚቱ ክሳለጥ ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር መለስ ኣለም፥ እቲ ፎረም ኣብ ጉዳያት ሰላምን ድሕንነትን ከምኡውን ጉዳያት ፀፅታ ዝጠመተ ከምዝኸውን ምድላው ከምዝተገበረ ገሊፆም።

መራሕቲ ትካላትን ሃገራትን ሓዊሱ ኣስታት 300 ተሳተፍቲ ኣብ ባህርዳር ይኣትዉ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ኣምባሳደር መለስ፥ ካብ 4 ክሳብ 6 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ከምዝሳለጥ ድማ ኣብሪሆም።

ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ብምውዳድ ዝተጀመረ ሓምለዋይ ዲፕሎማሲ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ሽዱሽተ ሃገራት ከምዝካየድ እውን ተዛሪቦም።

ሓደ መዓልቲ ኣብቲ ተኸላ ፈልሲ ዝሳተፉ መናእሰይ ካብ ኢትዮጵያ ከምዝተልኣኹ ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ሱዳን፣ ሶማሊያ፣ ሩዋንዳ፣ ኬንያን ጂቡቲን ከምዝካየድ ሓቢሮም።

ብሃብታሙ ተክለስላሴ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.