Fana: At a Speed of Life!

ከይዲ ኣወሃህባ ሃገር ለኸ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ኣብ ኣወሃህባ ትምህርቲ እናመፅአ ዝርከብ ለውጢ ዘርኢ ኢዩ – መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ጥቅምቲ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከይዲ ኣወሃህባ ሃገር ለኸ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ኣብ ኣወሃህባ ትምህርቲ እናመፅአ ዝርከብ ለውጢ ዘርኢ ከምዝኾነ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ

እቲ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ምዝዛም ቀዳማይ ምዕራፍ ፈተና 12 ክፍሊ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦም መግለፂ÷ ኢትዮጵያ ናብ ጉዕዞ ለውቲ ካብ ዝኣተወትሉ እዋን ጀሚራ ብዙሓት ስጉምቲታት ትካላዊን ፖሊሲን ሪፎርም ከምዝወሰደት ገሊፁ፡፡

“ካብ ሞንጎ እቶም ስጉምቲታት ለውጢ ሓደ ድማ ሪፎርም ዓውዲ ትምህርቲ ኢዩ” ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ብመንፅ ተበፃሕነት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ብዙሓት ስራሕቲ ዝተሰርሑ ይኹን እምበር ኣብ ፅሬት ትምሀርቲ ኣዚዩ ተዳኺሙ ከምዝፀንሀ ኣዘኻኺሩ፡፡

መንግስቲ ፅሬት ትምህርቲ ከደንፍዑ ዝኽእሉ ፓኬጃት ብምሕንፃፅ ብዙሓት ስጉምቲታት ሪፎርም እናወሰደ ከምዝርከብ እውን እቲ ኣገልግሎት ኣብ መግለፂ ኣገንዚቡ፡፡

“ምምሕያሽ ስርዓት ምዘና ካብ ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ሓደ እንትኸውን÷ እዚ ንምዕዋት ሓደ ምዕራፍ ዝኾነ ሃገር ለኸ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ 2014 ዓ.ም ብዝተፈላለየ ኩነታት ብልዑል ምድላውን ትካላዊ ውዳበን እናተውሃበ ይርከብ” ኢሉ፡፡

እቲ ናይ ሕዚ ኣወሃህባ ፈተና ፈተና÷ ቅድሚ ሕዚ ብብልሹው ኣሰራርሓ፣ ብስርቂን ምጭብርባርን እናተገበረ ዝነበረ ከይዲ ምሃብ ፈተና ክተርፍ ብምግባር ኩሉ ተምሃራይ ማዕረ ዝምዘነሉ ዕድል ንኽፍጠር ተሓሳቢ ዝገበረ ከምዝኾነ ተሓሩ፡፡

ኣብ 2014 ዓ.ም ሃገር ለኸ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ÷ ካብ ምቅዳሕን ስርቂን ከምኡ እውን ካብ ካልኦት ብልሹዋት ኣሰራርሓታት ዝነፅሀ ንኽኸውን መንግስቲ ብቢሊየን ዝቑፀር በጀት ብምስላዕ ናብ ሓደ ሚሊየን ዝፅዑ ተምሃሮን ፈተንቲ መምህራንን ብምጉዕዓዝ፣ መተሓባበርቲ ብምምዳብ ኣብ 160 ማእኸላት ፈተና ብሰላምን ካብ ስግኣት ፀፅታ ናፃ ብዝኾነ መልክዑ ክፍፀም ብምግባር ንፅሬት ትምህርቲ ዘለዎ ቆራፀነት ከምዘርአየ እቲ ኣገልግሎት ኣፍሊጡ፡፡

ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ኣፈፃፅማ ቀዳማይ ዙር ኣወሃህባ ፈተና ካብ ውሑዳት ፀገማት ወፃእ ብዕዉት ኩነታት ከምዝተሳለጠ ዝሓበረ እቲ መግለፂ÷ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ሚሊየን ተምሃሮ ኣብ ዝተወሰና ማእኸላት ኣኪብካ ናይ ምፍታን ልምዲ ፈላማይ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣብ መግለፂኡ÷ ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ዝወሃብ ካልኣይ ምዕራፍ ፈተና ብዝሐሸ ኩነታት ንኽሳለጥ ኩሎም ኣካላት ዝተጀመረ ፃዕሮም ንኸጠናኽሩ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.