Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩዋንዳ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ጥቅምቲ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩዋንዳ ቪንሰንት ቢሩታ ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ዘተኦም÷ ናይ ነዊሕ እዋን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣልዒሎም።

ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘሎ ርክብ ምድንፋዕ ከምዝግባእ እውን ኣብቲ እዋን ዘተ ኣገንዚቦም።

ኣይተ ደመቀ ኣብዚ ሕዚ እዋን እዋን ኣብ ኢትዮጵያ እናሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ምምሕያሻት ነቶም ሚኒትር ገለፃ ገይሮምሎም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩዋንዳ ቪንሰንት ቢሩታ ብግደኦም÷ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ካብ ዝለመደ ምሕዝነት ብዝሓለፈ ኣብ ጥንኩር ርክብ ዝተደረኸ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

“ሩዋንዳ ሓንቲ ዝኾነትን ጥንክርቲን ኢትዮጵያ ክትርኢ ትደሊ” ክብሉ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.