Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓለም ዘለዋ 54 ሃገራት ህፁፅ እፎይታ ልቓሕ ከምዘድልየን ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”ብብርኪ ዓለም ብውሑዱ 54 ኣብ ዕቤት ዝርከባ ሃገራትን ሓዊሱ ትሕቲ ሰሃራ ዘለዋ 25 ሃገራት ኣፍሪካ ናብ ዝኸፍአ ድኽነት ከይኣትዋ ህፁፅ እፎይታ ልቓሕ የድልየን” ክብል ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ትማሊ ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ÷ እቲ ቅልውላው ኢኮኖሚ ሃገራት እናሃበኦ ዝርከባ ግብረ መልሲ ብምፅራሕ ከስዕቦ ዝኽእል ፅዕንቶ ኣመልኪቱ፡፡

ፅዕንቶ ዕዳ ልቓሕ ንምቅላል ዝሕግዙን መስተኻኸሊ ልቓሕ ንምግባርን ዝሕግዙ ስጉምቲታት ፖሊሲ እውን ኣብ ሓበሬትኡ ኣካቲቱ።

እዘን 45 ሃገራት 18 ሚኢታዊ ዝፅጋዕ ህዝቢ ዓለም ዝርከቡወን ከምዝኾና ዝሓበረ እቲ ፕሮግራም÷ ካብ ሞንጎ እዚኣተን ልዕሊ 50 ሚኢታዊ ኣብ ክቱር ድኽነት ከምዝርከቡ ኣብሪሁ፡፡

ከም ሓበሬታ እቲ ፕሮግራም÷ ብህፁፅ ኣድላዪ ዝኾነ እፎታ ልቓሕ እንተዘይቀሪቡ ዓብዪ ዋጋ ዘኽፍል ኢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.