Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ቪክቶሪያ ክዋክዋ ተዛቲዮም።

ኣብ ዓመታዊ ጉባኤ ባንኪ ዓለምን ትካል ገንዘብ ዓለምን(ኣይ ኤም ኤፍ) ኣይተ ኣሕመድ ሽዴን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ስለሺ በቀለን እቶም ምስ እቶም ምክትል ፕሬዚዳንት ተዛቲዮም።

ብተወሳኺ ምስ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኦስማን ዲዮን ከምዝተዛተዩ ተሓቢሩ።

እቲ ዘተ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀዳምነት ኣብ ዝሃበሎም ዛዕባታት ከምኡወን ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ምንቅስቓስ ልምዓት ዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ ዝገብሮም ደገፋት ዝጠመተ ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

እቶም ሚኒስተር፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ንዘጋጠማ ፀገማት እቲ ባንኪ ምላሽ ብምሃብ ንዘርኣዮ ቁርፀኝነትን ዝገበሮ ደገፈን አመስጊኖም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.