Fana: At a Speed of Life!

ካብ ሕጊ ወፃእ ናይ ወፃኢ ሃገራት ገንዘብ ኣብ ምትሕልላፍ ገበን ርክብ ከምዘለዎም ዝተጠርጠሩ ልዕሊ 600 ቁፅሪ ሒሳብ ባንኪታት ተኣጊዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣገልግሎት ድሕንነት ፋይናንስ ምስ ተገባር ገበን ርክብ ኣለዎም ዝበሎም ልዕሊ 600 ቁፅሪ ሒሳብ ባንኪታት ከምዝኣገደ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣገልግሎት÷ ኣብ ምትሕልላፍ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘባ ወፃኢ ሃገራት ርክብ ከምዘለዎም ዝተጠርጠሩ 665 ቁጽሪ ሒሳብ ባንኪታት ከይንቀሳቐሱ ምእጋዱ ኣብሪሁ።

ዝተኣገዱ ቁፅሪ ሒሳባብ ባንኪታት÷ ሕጋዊ ፍቓድ ምምሕልላፍ ገንዘብ ወፃኢ ሃገራት ዘይብሎም እናሃለወ ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ምስ ዝርከቡ ኣካላት ምትእስሳር ብምፍጣር ኣብ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘበ ተዋፊሮም ዝተረኸቡ ኢዮም ተባሂሉ።

ኣብቶም ተግባራት ገበን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መገዲ ተሳትፎ ዝነበሮም ኣካላት ብሕጊ ተሓተትቲ ናይ ምግባር ስራሕ ተጠናኺሩ እናቐፀለ ከምዝርከብ ምሕባሩ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.