Fana: At a Speed of Life!

እትፍተኑዎ ፈተና 12 ክፍሊ ሓቀኛ ተስፋታት ኢትዮጵያ ከምዝዀንኩም እተረጋግፁሉ ከምዝኸውን ይኣምን – ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)“እትፍተኑዎ ፈተና 12 ክፍሊ ሓቀኛ ተስፋታት ኢትዮጵያ ከምዝዀንኩም እተረጋግፅሉ ከምዝኸውን ይኣምን” ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ንተፈተንቲ 12 ክፍሊ እዚ እዋን ገሊፆም።

ተስፋ ፅባሕ እዛ ሃገር ዝበሉዎም ተፈተንቲ፥ “ኢትዮጵያ ንዓኻትኩም ክትርኢ ከላ ተስፋ እዩ ዝረኣያ” ኢሎም።

“ንዓኻትኩም ኣብዚ ንምብፃሕ ወለዲ፣ መምህራንን ማሕበረሰብን ንዓመታት ለፊዖም እዮም” ኢሎም።

“ነቲ ውፅኢት እተመዝግቡዎ ካብ ምቕዳሕን ሰርቅን ናፃ ኾይንኩም፣ ብዓርስኹም ተኣማሚንኩም፣ ነቲ ፈተና ክትፍተንዎ ከለኹም እዩ” ኢሎም።

“ዝተወሃበኩም መምርሒ ኣኽብሩ፤ ተረጋጊዕኹም ፈተናኹም ተፈተኑ፤ ብዝኾነ ይኹን ኣይትሸበሩ፤ ናይ ኢትዮጵያ ኣምላኽ ፍልጠት ይግለፀልኩም” ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.