Fana: At a Speed of Life!

መውሊድ ነቢዩ መሓመድ እንትነኽብር ኣስተምህርኡ ብምዝካር ክኸውን ኣለዎ-ሚኒስትር ቀጄላ መርዳሳ

ኣዲስ ኣበባ 28 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ) ልደት ነቢዩ መሓመድ እንትነኽብር ኣስተምህርኡ ብምዝካር ክኸውን ኣለዎ ክብሉ ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ቀጄላ መርዳሳ ተዛሪቦም።

እቲ በዓል ኣብ ዝኽበረሉ ዘሎ ኣንዋር መስጊድ ተረኺቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ነቢዩ መሓመድ ሩህሩህን ደቂ ሰባት ብፍትሓውነት  ንክነብሩ ዝተቓለሱን ከምዝነበሩ ገሊፆም።

ልዕል ደቂ ሰባት ንእንስሳትን እፅዋትን ዝሓዝኑ፣ ሚዛናዊ ፍርዲ ወሃቢን በደል ደቂ ሰባት ኣጥቢቖም ዝቃወሙን ከምዝነበሩ እውን ሓቢሮም።

ስለዝኾነ እቲ በዓል እንትነኽብር ዓቕሚ ንዘይብሎም ብምድጋፍ፣ ዝሓመሙ ብምሕታት፣ ፍቕሪን ምድግጋፍን ብምርኣይ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ብተወሳኺ ልደት ነቢዩ መሓመድ እንትነኽብር ኣስተምህርኡ ብምዝካር ክኸውን ኣለዎ ክብሉ ኣገንዚቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%

5… ይግበሩ/!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/detailsኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1 ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.