Fana: At a Speed of Life!

ህዝባዊን ሃይማኖታዊን በዓላት ብሰላማዊ ኩነታት ምዝዛሞም ጥንኩር ዘብዒ ሰላም ህዝቢ ዘርኢ ኢዩ – ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝባዊን ሃይማኖታዊን በዓላት ብሰላማዊ ኩነታት ምዝዛሞም ጥንኩር ዘብዒ ሰላም ህዝቢ ዘርኢ ኢዩ ከምዝኾነ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ መስከረም ጎሊሃ ዝተርኣየትሎም ህዝባዊን ሃይማኖታዊን በዓላት ብድምቀትን ህድኣት ብዝተመልኦን ኩነታት ከምዝተኸበሩ ኣፍሊጡ፡፡

ካብ ድሮ ምቕባል ሓዱሽ ዓመት ጀሚሩ፤ በዓል መስቀል፣ ኢሬቻን በዓል ንግሲ ግሸን ደብረ ከርቤን፣ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ክልላትን ዞባታትን ዝተኸበሩ በዓላት ሓዊሱ ብዘይ ዝኾነ ፀገም ፀፅታ ብድምቀት ከምዝተኸበሩ ገሊፁ፡፡

እቶም በዓላት ብሚሊዮናት ዝቑፀር ህዝቢንብዙሓት በፃሕቲ ዓዲን ዝተሳተፉሎም ሃይማኖታዊን ህዝባዊን ትሕዝቶኦም ሓሊዮም ብልዑል ፈጠራ ተዓጂቦም ከምዝተኸበሩ ዝሓበረ እቲ ኣገልግሎት÷ እቶም በዓላት ብድምቀት ንኽኽበሩ መላእ ህዝቢ ዝተለመደ ዕዙዝ ኣስተዋፅኡኡ ከምዘበርከተን ምስጋና ከምዝግበኦን ገሊፁ።

“ሓይሊታት ፀፅታ ፌዴራልን ክልላትን እውን ምስ ህዝቦም ብምዃን ዝገበሩዎ ንቑሕ ስራሕቲ ሰላምን ድሕነነትን፤ እቶም በዓላት ተጠቒሞም ጥፍኣት ሓሲቦም ዝነበሩ ጉጅለ ግብረ ራዕዳውያን ትልሞም ክፍሽል ክኢሉ” ኢሉ እቲ መግለፂ፡፡

ትካላት ሚዲያ ድምቀት እቶም በዓላት ብምግዋሕ ሃገራዊ ሓድነት ንኽድንፍዕ፣ ቱሪዝም ውሽጢ ዓዲን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ንኽስፋሕፋሕ ልዑል ናይ ምንቕቓሕ ስራሕ ከምዝሰርሑ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣብ መግለፂኡ ፀሪሑ፡፡

“በዓላት ወርሒ መስከረም ብድምቀትን ብሰላምን ተኸቢሮም ምዝዛሞም÷ ኢትዮጵያ ኣፍ ፈተና ኮይና እውን ውፅኢታዊ ተግባራት ምስላጥ ከምትኽእል ዘረጋገፀን ሕድነት ኢትዮጵያውያን ዳግም ዘመስከረን ኢዩ” ኢሉ።

እቶም በዓላት ብሰላምን ብድምቀትን ንኽኽበሩ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከተ ህዝቢ፣ በቢብርኩ ዘለዉ ኣካላት ፀፅታን ውዳበ መንግስቲን፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ መናእሰይን፣ ትካላት ሚዲያን መንግስቲ ምስጋና ኣቕሪቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.