Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር መዓድንን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሕዳር ዝካየድ ዓለም ለኸ ኤክስፖ መዓድን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር መዓድንን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሕዳር ዝካየድ ዓለም ለኸ ኤክስፖ መዓድን ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተስማዕምዑ ሚኒስትር መዓድን ታከለ ኡማ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ዘፈር መዓድን ናይ ኩሉ ምትሕብባር ከምዝሓትት ገሊፆም፡፡

ብፍላይ ከም መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝበሉ ዓለም ለኸ ትካላት ንዕቤት ዘፈር መዓድን ቀንዲ መዳርግቲ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

“ሎሚ መዓልቲ ድማ ምስ ኣካቢ ቦርድ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ግርማ ዋቄ ከምኡ እውን ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ መስፍን ጣሰው ኣብ ዘፈር መዓድን ምስቲ መገዲ ኣየር ብሓባር ኣብ ንሰርም ጉዳያት ተዛቲና” ኢሎም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሕዳር ዝካየድ ዓለም ለኸ ኤክስፖ መዓድን ብሓር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሑ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.