Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ሓምለ ክሳብ ፍርቂ መስከረም ልዕሊ 163 ሺሕ ሰባት ብዓሶ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ 1 ሓምለ 2014 ዓ.ም ክሳብ ፍርቂ መስከረም 2015 ዓ.ም ልዕሊ 163 ሺሕ ሰባት ብሕማም ዓሶ ከምዝተትሓዙ ተገሊፁ።

ድሕሪ 15 መስከረም ዘጋጥም ለበዳ ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ብምትኳር÷ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ክልል ኣምሓራ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ተዛቲዩ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ኣይተ በላይ በዛብህ÷ ንለበዳ ሕማም ዓሶ ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾ ወረዳታትን ዞባታትን ብፍሉይ ኩነታት ናይ ምክልኻል ስራሕ እንተዘይተሰሪሑ ከቢድ ጉድኣት ከስዕብ ከምዝኽእል ኣብሪሆም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ 3 ሺሕ ሰባት ብዓሶ ከምዝተትሓዙ ሪፖርት ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ኣይተ ኣብዲልከሪም መንግስቱ ብግደኦም÷ ዝርገሐ ለበዳ ሕማም ዓሶ ክብ ከምዝበለ ገሊፆም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ኩሎም ሓለፍቲ መምርሒ ጥዕና ተረኺቦም።

ብሰላም ኣስመላሽ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.